እምባጓሮ ኤርትራውያን ኣብ ፌስቲቫል እስፖርት ኤርትራ ማንቸስተር

ማሕበረ ኮም ማንቸስተር

ምንጪ ስእሊ, AY

ማሕበረ ኮም ማንቸስተር፡ ንታሪኽ እስፖርት ኤርትራ ንምዝካርን ንምዕቃብን ንነዊሕ ግዝያት ዝተዳለወሉ፡ ንቐዳመ ሰናብቲ 16-17 ሰነ ፌስቲቫል ንምክያድ ዝሓዞ መደብ ትማሊ ቀዳም ምስጀመረ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ሓይልታት፡ ብሽም ፌስቲቫል ብሽክለታ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝእለን ዝምወልን እዩ ስለዝበሉ፡ ብናይ ፖሊስ ፍቓድ ሕጋዊ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ ተኣኻኺቦም።

እንተኾነ እቲ ብሰላም ዝጀመረ ሰልፊ በብቑሩብ ናብ ቆይቅን ምድፋእን ካብኡ ናብ ዳርባን ምትህርራምን ሰጊሩ ሓያሎ ሰባት ከምእተጎድኡን ከምእተኣስሩን ተሓቢሩ።

ሓላፊት ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራን ህግደፍን ኣብ ማንቸስተር ዮርዳኖስ በረኸተኣብ "እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተፈጥረ ዕግርግር ካብዘይ ምርዳእን ጎዶሎ ኣተሓሳስባን ዝተበገሰ ዘይብሱልን ሓላፍነት ዝጎዶሎን ናይ ሸፋቱ ምንቅስቓስ እምበር ምስ ፖለቲካ ዝተሓሓዝ ነገር ኣይነበሮን። እቲ ኣብ ልዕሊ ዓበይትን ቆልዑትን ንዝወረደ ጉድኣት ድማ ንጹር ስእሊ ይህበና፡ ከምዚ ዓይነት ነገር ንከይድገም ድማ እቶም ዝረበሹ ሓላፍነት ክስከሙ ይግባእ" ኢላ።

ተቐማጢ ማንቸስተር በላይ ካሕሳይ ብወገኑ፡ "እቲ ብስም እስፖርት ዝተወደበ ፌስቲቫል ብሽክለታ ኣብ ማንቸስተር ንዝርከብ ህዝቢ ንምክፍፋል ንገንዘብን ዳንኬራን ዝተወደበ እዩ" ብምባል ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ዝኣልዮ፡ ፖለቲካዊ ተልእኾን ዕላማን ከምዝነበሮ ብምሕባር እቶም ብጥርጠራ ብፖሊስ ዝተታሕዙ ከኣ ኣድላይ ምጽራይ ተገይሩሎም ኩሎም ከምዝተፈትሑ ሓቢሩ።

ጎይትኦም ስዩም ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ኣወሃሃድቲ "እዚ ፌስቲቫል ምስ ፖሎቲካ ዘተኣሳስር ዋላ ሓደ ነገር የብሉን፡ ንሕና ንታሪኽ ውድድር ብሽክለታ ኤርትራ ኢና ንጽንብል ዘለና። ኣብ መንጎና ንሃገሮም ወኪሎም ኣብ ኦሎምፒክ ዝተወዳደሩ ዕውታት ስፖርተኛታት ኣለዉ" ክብል ንጋዜጣ ማንቸስተር ኢቭኒንግ ኒውስ ተዛሪቡ።

ተቓውሞ ደላይ ፍትሒ ኣብ ማንቸስተር

ምንጪ ስእሊ, SZ/FB

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ መጀመርታ ብሰላም ምጅማሩን ድሓር ግን ብጠራሙስን ናይ መግቢ ታኒካታትን ዳርባ ከምእተጀመረ እቲ ኣብ ቢቢሲ እተሓትመ ጽሑፍ ጸብጺቡዎ ኣሎ። እቶም ተሳተፍቲ ፌስቲቫል፡ ህጻናት ኣብ ዘለዉሉ ከምዚ ዓይነት ጠገለ ዘይብሉ ተግባር'ዩ ምግጣሙ ከምዘጉሃዮምን ክሕጎሱ ኢሎም መጺኦም በቲ ናይ "ፈራሓት" ዝበሉዎ ተግባር ሓዚኖም ከምእተመልሱ ሓቢሩ።

ኣቦ መንበር ኤርትራውያን ኮምዩኒቲ ተቓወምቲ መንግስቲ ኣብ ማንቸስተር ሰንጋል ዛይድ ግን፡ " ፈለማ እቲ ተቓውሞ ብሰላም እዩ ጀሚሩ፡ ዳሕራይ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ መጽአ ተቓውሞና ከነስምዕ ክንኣቱ ሓቲትና ምስተኸላእና እዩ እቲ ምድፍፋእን ምትህርራምን ጀሚሩ" ብምባል፡ ጠንቂ እቲ ዕግርግር ብወገን ደገፍቲ ከምዝነበረ የረድእ።

ፖሊስ ማንቸስተር ነቶም ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉዎምን ፍትሒ ንምርግጋጽ ናብ ፍርዲ ከምዘቕርብዎምን ምሕባሮም ተጸብጺቡ ኣሎ።

ምሁር ምርግጋእ ጎንጽን ግርጭትን ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ ኣብ ህዝባዊ በዓላት ይኹን ፌስቲቫላት ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን እናተባህለ ዝግበር ባእስን ዕግርግርን መርኣያ ስነ አእምሮ እቶም ዝኾነ ይኹን ባህላዊ ውርሻ ዘይረኸቡ መንእሰያት ምዃኑ፡ እዞም ግቡእ ኮስኳስን ሓገዝን ዘይረኸቡ ኣብ ንኡስ ዕደመኦም ካብ ኩሉ ዕድላት ተኾሊፎም ኣደዳ ስደትን ከርተትን ዝኾኑ መንእሰያት ብዝያዳ እኳ ደኣ ስነ-አእሙራዊ ሓገዝን ትምህርትን እዩ ዘድልዮም።

ይኹን እምበር እቶም ውራይ ዝውድቡ ኣዳለውቲ እውን ከምኡ ዓይነት ጸገማት ንኸይመጽእን ክዳለውን እንተመጺኡ እውን ኣቐዲሞም ንምፍትሑ ክጽዕሩን ክሓስቡ ይግባእ ክብል ይመክር።

ማሕበረ ኮም ማንቸስተር

ምንጪ ስእሊ, AY

ሓደ ካብቶም ቀንዲ ወደብትን እቲ ፌስቲቫል ኣብ ዘበነ ደርግ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ነበር ቢንያም ኣስመላሽን ኣቦ መንበር ማሕበረ-ኮም ደገፍቲ መንግስቲ ኣብ ማንቸስተርን ኣቶ ተስፋልደት ኣብርሃም ግን ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ርእይተኦም ክህቡ ተሓቲቶም ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።

ድሕረ ባይታ ብሽክለታ ኤርትራ

ብ1910 ቅድድም ብሸክለታ፡ ኣብ ኤርትራ ብወተሃደራት ጥልያን ተጀሚሩ።

ኣብ 1936 ከኣ ጠላይን ብዝዕብልልዎ ኮሚሽን ውድድር ብሽክለታ ቆይሙ።

ኣብ 1937 ኣብ ኣስመራ ውድድር ብሽክለታ ተኻይዱ፤ ደቀባት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ እውን ቆይሞም።

ኣብ 1939 እቶም ደቀባት ምስ ጸዓዱ ጥልያን ክወዳደሩ ጀሚሮም። ኣብታ ዓመት ከኣ ገብረማርያም ገብሩ ዝተባህለ ተቐዳዳማይ ብሽክታ ቻምፕዮን ናይ ኤርትራ ኮይኑ።

ኣብ 1951 ኤርትራውያን ኣፍሪቃ እትሰምየት ጋንታ መስሪቶም። ወልደሚካኤል ወልደማርያም በርበረ ከኣ ቻምፕዮን ኮይኑ።

ካብ 1952 -1966 ኣብ መንጎ ጠላይንን ደቀባትን ውዕዉዕ ዝኾነ ስፓርታዊ ውድድር ይካየድ ነይሩ።

ኣብ 1956 መስፍን ተስፋይን ካልኣዩን ኤርትራውያን ኣብ መልቦርን ኣውስትራልያ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክስ ተሳቲፎም።

ኣብ 1964 ኣርባዕተ ሳይክሊስት ኣብ ቶክዮ ኦሎምፒክ ተሳቲፎም።

ኣብ 1968 ተከስተ ወልዲ ጂጋንተ ናይ መጀመርታ ኤርትራዊ ሳይክሊስት ኣብ ኣህጉራዊውድድር ተሳቲፉ።

ኣብ 1968 ማለት ኣብታ ዓመት ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ሜክሲኮ ኦሎምፒክ ተሳቲፎም።

ኣብ 1972 ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ሙኒክ

ኣብ 2012 ዳኒኤል ተክለሃይማኖት ኣብ ዳግማይ ልደት ኤርትራ ሳይክል ኣብ ሎንዶን ተሳቲፉ።

ኣብ 2013 ከኣ ናትናኤል ብርሃነ ካብ ኤርትራ ኣብ ውድድር ቱርኪ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ኮይኑ።

ኣብ 2014 ናትኤል ብርሃነ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ትሮፒካል ኣፍሪቃ ቦንጎ 2014 ኮይኑ ተዓዊቱ።

ኣብ 2015 ልዕሊ 16 ኤርትራውያን ሳይክሊስት ፕሮፌሺናል ኮይኖም እንደገና ኣብታ ዓመት ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ዳንኤል ቅዱስን ካብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተወዳደሩ ቀዳሞት ኤርትረውያን ኮይኖም ተሰይሞም።

ምንጪ ፈይስ ቡክ ኦልድ ኣስመራ ኤርትራ