ንመጥቃዕቲ ሑቲ ደው ከብል ዘይከኣለ መጥቃዕትታት ኣየር ኣሜሪካን ብሪጣንያን

ኣብ ብሪጣንያ ብዝርከብ ኩባንያ እትካየድ መርከብ ማርሊን ሉዋንዳ  26 ጥሪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ብሪጣንያ ብዝርከብ ኩባንያ እትካየድ መርከብ ማርሊን ሉዋንዳ ብ26 ጥሪ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ብሑቲ ተሃሪማ

ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣየር እኳ እንተፈጸማ፡ እቲ ጕጅለ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ ከዝሕሎ ከምዘይከኣለ ቢቢሲ ቬሪፋይ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ትሽዓተ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ክፍጸም እንከሎ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ሰለስተ ሰሙን፡ ሽዱሽተ መጥቃዕቲ እዩ ተፈጺሙ።

እቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ መጥቃዕቲ፡ ብ 11 ጥሪ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ብዝሒ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ብ 29% ጐዲሉ እዩ።

እዚ ካብቲ ሑቲ ፈለማ ኣብ ሕዳር መጥቃዕቲ ምስ ጀመሩ ዝተርኣየ ምጕዳል ምንቅስቓስ መራኽብ ዝዓበየ እዩ።

ስልታዊ ለውጢ

ሑቲ ፈለማ፡ ነተን ምስ እስራኤል ምትእስሳር ዘለወን ወይ’ውን ካብን ናብን እስራኤል ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ዒላማ ከምዝገብሩ እዮም ገሊጾም ነይሮም። እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ጥሪ ድሕሪ ምጅማሩ ግን፡ ብኣሜሪካን ብሪጣንያን ዝውነናን ዝካየዳን መራኽብ እዮም ብቐንዱ ዒላማ ዝገብሩ ዘለው።

ሑቲ፡ ኣብ ሕዳር መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር ብሓፈሻ 28 መራኽብ ዒላማ ገይሮም ኣለው። ካብዚአን እተን ሸውዓተ ምስ እስራኤላውያን ትካላት፡ ውልቀሰባት ወይ’ውን ናብ እስራኤል የምርሓ ምንባረን ኣረጋጊጽና ኣለና።

ቢቢሲ፡ ሓበሬታ መከታተሊ መራኽብን ወግዓዊ ሰነዳት ትካላትን ብምፍታሽ እዩ ንዋንነት እተን መራኽብ ከነጽር ፈቲኑ። እንተዀነ ሓንቲ መርከብ ምስ መን ምትእስሳር ኣለዋ ምንጻር ቀሊል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብዙሕ ቀጸላታት ኣብ ዘለዎ ዋንነት መራኽብ ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምጅማሩ፡ ዒላማ ካብ ዝዀና ትሽዓተ መራኽብ እተን ሓሙሽተ ምስ ኣሜሪካ ወይ ብሪጣንያ ምትእስሳር ክህልወን እንከሎ፡ እታ ሓንቲ ከኣ ምስ እስራኤል ምትእስሳር ከምዘለዋ ተገንዚብና።

ሑቲ ንመን ዒላማ ከምዝገብሩ ምስ ምቕያሮም ስልቶም’ውን ቀዪሮም ኣለው።

ኣብ ሕዳርን ታሕሳስን፡ ዝበዝሐ መጥቃዕትታቶም ኣብቲ መራኽብ ናብቲ ሑቲ ዝቈጻጸርዎ ገማግም የመን ቀሪበን ክጓዓዛ ኣብ ዝግደዳሉ፡ ናብ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ኣብ ዝቐረበ ደቡባዊ ጫፍ ቀይሕ ባሕሪ እዩ ዝፍጸም ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ግን ብቐንዱ መጥቃዕትታቶም ንሸነኽ ደቡብ ኣብ ወሽመጥ ዓደን እዩ ዝፍጸም ዘሎ።

ሑቲ ብኸመይ ነቲ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ’ውን ለውጢ ገይሮም ኣለው። ፈለማ ሚሳይልን ተፈንጃሪ ዝጸዓና ድሮንን እዮም ዝጥቀሙ ነይሮም፤ እቶም ዝደሓሩ መጥቃዕትታት ግን ብቐንዱ ካብ የመን ብዝትኮሱ ሚሳይላት እዮም ተፈጺሞም።

ኣብ ገማግም የመን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ

ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መንጐ እስያን ኣውሮጳን ኣቝሑ ንምጕዕዓዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ መስመር ንግዳዊ መራኽብ እዩ።

እንተዀነ ሑቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር፡ ብዝሒ ነቲ መስመር ዝጥቀማ መራኽብ ብ50 ሚእታዊት ጐዲሉ ምህላው ንምንቅስቓስ መራኽብ ካብ ዝከታተል ትካል ሎይድስ ሊስት ኢንተሊጀንስ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

እዚ ዝዀነ፡ እቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕን ንመራኽብ ኲናት ብሪጣንያ ዘሳተፈን በቲ ከባቢ ንዝሓልፋ ንግዳውያን መራኽብ ንምውሓስ ዝብል ስርሒት እናሃለወ እዩ።

ምጕዳል ብዝሒ በቲ ከባቢ ዝሓልፋ መራኽብ እንታይ ይመስል?

ጋላክሲ ሊደር ዝተባሃለት መርከብ ብ 19 ሕዳር ፈለማ ምስ ተጨወየት ትካላት ንግዲ መራኽብ ንጹር ምላሽ ኣይሃቡን።

ንመራኽብ ካብ ዝከታተሉ ትካላት ዝተረኽበ ሓበሬታ ግን፡ እዚ ካብ 15 ታሕሳስ ንደሓር ማለት ኣካየድቲ መራኽብ መገዶም ብደቡባዊ ኣፍሪቃ ክገብሩ ካብ ዝወሰኑሉ ጀሚሩ ከም ዝተቐየረ እዩ ዘርኢ።

እቲ ኣማራጺ መገዲ ተወሳኺ ብዙሕ ነዳዲን ግዜን ዝጠልብ እኳ እንተዀነ እቲ ምጕዳል ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ኣብ ዝሰዓቡ ሰሙናት’ውን ቀጺሉ እዩ።

ንኣብነት ሓደ ኮንተይነር ካብ ሻንጋይ ቻይና ናብ ሮተርዳም ሆላንድ ንምጕዕዓዝ ኣብ መፋርቕ ሕዳር ዝኽፈል ዝነበረ ገንዘብ፡ 1,200 ዶላር ክኸውን እንከሎ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ግን 5,000 ዶላር በጺሑ ኣሎ።

ካብ ሻንጋይ ናብ ሮተርዳም ኮንቴነር ንምጉዕዓዝ ዝኽፈል ገንዘብ
መግለጺ ስእሊ, ካብ ሻንጋይ ናብ ሮተርዳም ኮንተይነር ንምጕዕዓዝ ዝኽፈል ገንዘብ

ዋጋ መጓዓዓዚ እንተወሲኹ ከኣ፡ ካብ ነዳዲ ጀሚርካ ክሳዕ መግቢ ኵሉ ዋጋታት ሓለኽቲ እዩ ዝውስኽ።

ካብ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ኣውሮጳ ዝግበር ጕዕዞ መራኽብ ኣብ ክንዲ ብስወጽ ካናል ብደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ዝፍጸም ተወሳኺ ሰለስተ ሰሙንን 2 ሚልዮን ዶላርን ይሓትት።

ኣካያዲ ስራሕ ስወጽ ካናል፡ በቲ ካናል ካብ ዝሓልፋ መራኽብ ዝርከብ ዝነበረ ኣታዊ ምስ ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት ክንጻጸር እንከሎ ብ 44 ሚእታዊት ከምዝጐደለ ገሊጹ።

እቲ ቅልውላው ክቕጽል ከምዝኽእል ዝግምት እቲ ትካል፡ ናይዚ ዓመት ኣታዊታቱ ብ40 ሚእታዊት ጎዲሉ፡ 6 ቢልዮን ዶላር ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ብዝተነብረ እገዳ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ነዳዲን ጋዝን ካብ እስያ ከእትዋ ስለዝተገደዳ፡ ብዝሒ ንስወጽ ካናል ዝጥቀማ መራኽብ ነዳዲ ዳርጋ ብዕጽፊ እዩ ወሲኹ።

መጥቃዕቲ ሑቲ ካብ ዝጅምር ንደሓር ግን እዚ ኣዝዩ ጐዲሉ ኣሎ።

ሓደጋታት ንምውጋድ ዝተወስዱ ስጕምትታት

ንሓደጋታት ቀይሕ ባሕሪ ንምግጣም ዝመረጹ ኣካየድቲ መራኽብ፡ ንተኽእሎታት መጥቃዕቲ ንምጕዳል ዝተፈላለየ ብልሓታት ይጥቀሙ ኣለው።

ገለ ኩባንያታት፡ ከጋጥም ንዝኽእለ መጨወይቲ ንምክልኻል፡ ኣብተን መራኽብ ዕጡቓት ከምዝህልው ንምግባር ንትካላት ጸጥታ ገንዘብ ይኸፍላ ኣለዋ።

ካልኦት ከኣ ንመሳርሒ መከታተሊ ኤኣይኤስ የጥፍኣ ኣለዋ፤ እዚ ኵለን ንግዳውያን መራኽብ ዝርከባሉ ቦታ ንምሕባርን ንምክትታልን ዝጥቀማሉ ብምዃኑ ሓይልታት ሑቲ ከለልዩወን ኣጸጋሚ ይገብሮ።

ካልኦት ከኣ ኣብቲ መሐበሪ መሳርሒታተን “ምስ እስራኤል ዝምድና የብልናን” ወይ’ውን “ዕጡቓት ኣብ መርከብ ኣለው” ክብላ እንከለዋ ካልኦት ከኣ፤ “ኵሎም ሰራሕተኛታትና ቻይናውያን እዮም” ዝብል ብምግባር ካብ መጥቃዕቲ ክከላኸላ ይፍትና ኣለዋ።

ገለ ኩባንያታት ቻይና መራኽበን መጥቃዕቲ ከምዘይፍጸመን ካብ ሑቲ ውሕስነት ረኺበን እየን።

ጸብጻባት ትካል ሎይድስ ሊስት ኢንተሊጀንስ ከምዘርእይዎ ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ ምስ ቻይና ምትእስሳር ዘለወን መራኽብ ኣብ ሕዳር ካብ ዝነበሮ 13 ሚእታዊት ናብ 28 ሚእታዊት ክብ ኢሉ ኣሎ።