ኣዳላዊ ቲቪ ኢራን ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኡ ብኻራ ተወጊኡ

ብዘይተፈልጡ ሰባት ኣብ ኣፍ ደገ ገዛኡ መውጋእታ ካራ ዘጋጠሞ ጋዜጠኛ

ምንጪ ስእሊ, iran international

ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ናይ ኢራን ቴሌቪዥን ቻነል ኣቕራቢ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኡ ብተደጋጋሚ ብኻራ ከምዝተወግአ፡ እቲ ተቖጺሩ ዝሰርሓሉ ቻናል ኣፍሊጡ።

ኣብ 2022 ኣብ ኢራን ኣንጻር መንግስቲ ዘቕንዑ ተቓውሞታት ብዝምልከት ሰፊሕ ጸብጻብ ዘቕረበት ኢራን ኢንተርናሽናል፡ እቲ ወዲ 36 ዓመት ኣዳላዊ ተሌቭዥን ፑርያ ዘርኣቲ ብጉጅለ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖ ሓቢራ።

ፖሊስ ሜትሮፖሊታን፡ ፍሉያት መኮንናት ጸረ-ራዕዲ፡ ነቲ ብኻራ ዝተፈጸመ ምርመራ ይመርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ።

እቲ ግዳይ ኣብ ሆስፒታል ድሓን ከምዝነበረ እቲ ሓይሊ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሓላፊ ኣሃዱ ትእዛዝ ጸረ-ራዕዲ ኮማንደር ዶሚኒክ መርፊ፡ መኮንናት ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዝኾነ ድርኺት ከምዘሎ ኣተንቢሆም።

ሜት ከምዝበሎ፡ "እቲ ግዳይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ብቋንቋ ፋርስ ዝሰርሕ ትካል ሚድያ ከም ጋዜጠኛ ስለ ዝሰርሕ" መኮንናት ጸረ ግብረ ራዕዲ ክምርምርዎ ከምዝተመደቡ ገሊጹ።

ሚስተር መርፊ፡ ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ደቡባዊ ለንደን ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ይለኣኽ ከምዘሎ ገሊጹ።

ምስ መውጋእቲ ካራ እቲ ጋዜጠኛ ተኣሳሲሩ ዛጊድ ዝተኣሰረ ሰብ የለን።

ቅድሚ 18 ኣዋርሕ፡ ኢራን ኢንተርናሽናል ኣብ ኢራን ኣብ ዝነበረ ማዕበል ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ኣቕረብቲ ዜና ኮይና።

ኣብ ሕዳር 2022 ክልተ እንግሊዛውያን-ኢራናውያን ጋዜጠኛታት ካብቲ ቻነል ኣብ ልዕሊ ህይወቶም ሓደጋ ከስዕብ ከምዝኽእል ብፖሊስ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነይሩ።

ኣብ ጥቓ ስቱድዮታት ናይቲ ቻነል ዕጡቓት ፖሊስ ዓስኪሩ፡ ካብቲ ህንጻ ወጻኢ ድማ ብኮንክሪት ዝተሰርሐ መከላኸሊታት ተገይሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ቴህራን ሚኒስተር ስለያ ኢራን እስማዒል ካቲብ፡ ኢራን ኢንተርናሽናል ብመንግስቲ እታ ሃገር ራዕዳዊ ትካል ምዃና ኣፍሊጡ።

ኢራን ኢንተርናሽናል ነቲ ስርዓት ንምቅዋም ናዕቢ ኣለዓዒላ ብዝብል ብመንግስቲ ተኸሲሳ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ ለካቲት 2023፡ ኢራን ኢንተርናሽናል ቲቪ ኣብ ለንደን ንግዚኡ ስርሓ ዓጽያ፡ ስቱድዮታት ፈነወኣ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣግዒዛ።

እታ ብቋንቋ ፋርስ እትዝርግሕ ቻነል ቲቪ፡ እቲ ውሳነ "ካብ ኢራን ብመንግስቲ ዝድገፍ ስግኣታት ብዓቢኡ ምውሳኹ" ከምዝኾነ ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ቦታ ስርሒታት ዳግማይ ተጀሚሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ፡ ወዲ 31 ዓመት ዜጋ ኦስትርያ ማጎሜድ-ሁሰይን ዶቭታየቭ፡ "ንሓደ ግብረራዕዳዊ ዝጠቅም ሓበሬታ ዝሓዘ መዝገብ ንምእካብ ወይ ንምስራሕ ፈቲኑ" ተባሂሉ ተኣሲሩ።

ፖሊስ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2023 ኢራን ኢንተርናሽናል ዝርከበሉ ህንጻ ቺስዊክ ቢዝነስ ፓርክ ናይ ደገን ጸጥታ ምድላዋትን ዘርኢ ቪድዮ ከምዝሰርሐ ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሜት ፖሊስ፡ ካብ መጀመርታ 2022 ጀሚሩ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሮም ከም ጸላእቲ ስርዓት ኢራን ዝግመቱ ውልቀሰባት ወይ ንምጭዋይ ወይ ንምቕታል ዝተፈጸመ 15 ውዲታት ፈሺሉ።

ኣደ መንበር ናይቲ ምሩጽ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ዝኾነት ኣባል ባይቶ ቶሪ ኣሊሻ ኬርንስ፡ ነቲ ብዓርቢ ዘጋጠመ ናይ መወዳእታ ፍጻመ ምላሽ ሂባ፡ ነቲ ፍጻመ "ኣዝዩ ዘሕርቕ" ክትብል ገሊጻቶ።

"ኩነታት ናይዚ መጥቃዕቲ እኳ እንተዘይፈለጥና፡ ኢራን ግን ነቶም ኣንጻር እቲ ስርዓት ክዛረቡ ዝኽእሉ ተባዓት ክትሃድኖም ትቕጽል ኣላ" ክትብል ኣብ ኤክስ ገሊጻ።

"እንተኾነ ግን ንሕናን መሻርኽትናን ኣብ ሃገራትና ንዝርከቡ ሰባት ካብኦም ንምክልኻል፡ ከምኡ'ውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ረብሓታትና ንምሕላው ንጹር ስትራተጂታት ከምዘለና ርግጸኛ ኣይኮንኩን" ኢላ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ሎርድ ካሜሮን ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ኣዘዝቲ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ እገዳ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ ነይሩ።